ኢትዮጵያን ብራዚልን ፎረም ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ምክያድ ጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ፎረም ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ኣብ ብራዚል ከተማ ሳኦፖሎ ምክያድ ከምዝጀመራ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ፎረም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልዑልሰገድ ታደሰ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብራዚልን ዳሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን ኣንቶኒዮ ሴዛር፣ ተወክልቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ብራዚልን ከምኡ እውን ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ተረኺቦም፡፡
እቲ ፎረም ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ኢንቨስትምንት፣ ንግድን ዓቕሚ ቱሪዝምን ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡