ኢትዮጵያን ኣርጀንቲናን ስምምዕነት ኣገልግሎት ኣየር ከቲመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣርጀንቲናን ኣብ ዓውዲ ኣገልግሎት ኣየር ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪመን፡፡
እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኣይተ ጌታቸው መንግስቴን ዋና ፀሓፊ ትራንስፖርት ኣየር ኣርጀንቲና ፍራንኮ ሞጌታን ተፈራሪሞምዎ፡፡
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣገልግሎት በረራ መገደኛን ፅዕነትን ምስ መባፅሕቲ ጣቢያታት ኢትዮጵያን ኣርጀንቲና ብተወሳኺ ኣብ ግዝኣት ኣርጀንቲና ከምኡ እውን ናብ ዝኾነ ይኹን 3ይ ሃገር መብፅሒ ጣቢያ ምብራር ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኩሎም መሰላት ትራፊክን ዕዳጋ ብዝፈቕዶ መጠንን ብዘይገደብ ብዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣውሮፕላን በረራ ናይ ምግባር መሰል ከመዘጎናፅፍ ተሓቢሩ፡፡