ኢትዮጵያን ኪርጊስታንን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኪርጊስታን ኣሲዬን ኢሳዬቭ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኪርጊስታንን ዘሎ ኢኮኖሚናዊን ዲፕሎማሲያዊን ርክብ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ÷ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝርከቡ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ገለፃ ገይሮም፡፡
ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ሰብ ሰሃራ ብዕቤት ኢኮኖሚ 3ይቲ ከምዝኾነት ብምሕባር÷ ነዚ ድማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተገበሩ መመሓየሺታት ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብፍላይ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዋ ተሞክሮ ንኪርጊስታን ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡
ኣሲዬን ኢሳዬቭ ብግደኦም÷ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ምትሕብባርን ምልውዋጥ ተሞክሮን ተጠናኺሩ ኽቕፅል ከምዝደልዩ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡