ኢትዮጵያን ኮሎምቢያን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኮሎምቢያን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝህልወን ርክብ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝገብረኦ ሓበራዊ ምትሕብባር ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ኣረጋጊፀን።
ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮሎምቢያ ምስ ዝኾኑ ዬሶን ኣርካዲዮ ሜኔስ ኮፕቴን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብዝበለፀ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ከምዘልዐሉ ሓበሬታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣመልኪቱ፡፡
ኣምባሳደር ዬሶን ኣርካዲዮ ሜኔስ ኮፕቴ÷ ኮሎምቢያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ድልውቲ ምዃና ብምግላፅ፤ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እውን ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ኣረጋጊፆም፡፡
ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝህልዎም ርክብ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝገበሩዎ ሓበራዊ ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ተስማዕሚዖም፡፡