ኢትዮጵያን ዴንማርክን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኮሚቴ ጉዳያት ፖሊሲ ወፃኢ ዴንማርክ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ እናወገነቶም ትርከብ ኢኒሼትቫትን ዝተረኸቡ ዓወታትን ትኹረት ገይሮም፡፡
ክልቲኦም ወገናት እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡