Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፋኦን ኣብ ስርዓተ ምግቢን ሕርሻን ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣብ ትካል ምግቢ ዓለም ዳይሬክተር ምግቢን ሕርሻን ዴቪድ ላቦርድ (ዶ/ር) ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ብሄራዊ ስትራቴጂ ምግቢ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኣሰራርሓ ትካል ምግቢ ዓለም ብምውዳድ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

እተን ሚኒስትር ዴኤታ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ትልሚ ትካል ምግቢ ዓለም ክትሕቆፍ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ብትካል ምግቢ ዓለም ዝተውሃበ ኣፍልጦ እታ ሃገር ኣብ ቀፃሊ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብቐረባ ንምስራሕ ዕድል ዝወሃባ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን፡፡

ዴቪድ ላቦርድ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ትካል ምግቢ ዓለም ብኹሉ ዓውዲ ንኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ “ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምግቢ ንዘጋጥሙ ማሕለኻታት መፍትሒ እትህበሉ መገዲ ንካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ምትሕብባሮም ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ብሄራዊ ደሕንነት ምድንፋዕ ከምዝግባእ እውን ኣብቲ እዋነ ዘተ ከምዝተልዓለ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣመልኪቱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.