Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣባላት ጉጅለ ምሕዝነት ፓርላማ ኢትዮ- ፓኪስታን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢስላም አባድ ዑደት ገይሮም፡፡

እቶም ኣባላት ጉጅለ ኣብቲ እዋን ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም፡፡

አምባሳደር ጀማል (ዶ/ር)÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዘሎ ምትሕብባር ፓርላማ ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ገሊፆም፡፡

መተሓባበሪ ጉጅለ ምሕዝነት ፓርላማ ኣርሻድ ኣብዱላህ ቮህራ ብግዲኦም÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዘሎ ጥንኹር ርክብ ኣብ ዓውዲ ንግዲን ልምዓት ኢኮኖሚን ብዝበለፀ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እቲ ጉጅለ ምሕዝነት ምስ ኢትዮጵያ መዘነኦም ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባሩ ንምጥንኻር ብንቕሓት ከምዝሰርሕ ምርግጋፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.