ኢትዮጵያውያን አትሌታት መፃረይ ሻምፒዮና ዓለም ኣብ ስፔን ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 10 ሺሕ ሜትር ኢትዮጵያ ኣብ አትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንምውካል ኣብ ስፔን ማላጋ መፃረይ ውድድር ከምዝካየድ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኮማንደር ስለሺ ስህን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ÷ ኣብ 10 ሺሕ ሜትር ወፃኢ ዘለው ርሕቐት አትሌታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ክምረፁ እዮም፡፡
አትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ኣብ ቀፃሊ ዓ.ም.ፈ ካብ 3 መስከረም ክሳብ 11 ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ክኻየድ እዩ፡፡
ብሰለሞን በቀለ