ኢትዮጵያ ቡና ንስሑል ሽረ ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ቡና ንስሑል ሽረ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅት ብምስዓር ተዓዊታ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ኮንኮኒ ሃፊዝ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ ቡና ብ29 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ስዕረት ዘተኣናገደት ጋንታ ስሑል ሽረ ድማ ብ15 ነጥቢ ኣብ ዘለቶ መበል 17 ደረጃ ክትፀንሕ ተገዲዳ፡፡
ፀወታ እቲ ሊግ ቀፂሉ ምሸት ሰዓት 12 እንትካየድ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ኣዳማ ከተማ ክራኸባ ኢየን።