Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ተግባር ኣባልነታ ቤት ምኽቲ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ብወግዒ ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ተግባር ኣባልነታ ፃንሒት ሰለስተ ዓመት ቤት ምኽቲ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት ኣቀባብላ ብወግዒ ጀሚራ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ናይ ወርሒ ሚያዚያ ኣቦ መንበር ኣምባሳደር ርቤካ ኣሙገየ ኦቴንጎ ሓደሽቲ ዝተመረፃ ኣባላት ናይ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንምቕፃል ብዘለወን ዓቕሚን ልምዲን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀፅታን ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዴዮዬ ብግደኦም፥ ሓደሽቲ ኣባላት እንትውሰኻ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣፍሪካ ጎንፂ ብምክልኻልን ብምቁፅፃርን ጠንካራ ኮይኑ ንክቕፅል ይገብሮ ኢዩ ኢሎም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.