ኢትዮጵያ ንህዝቢታት ደቡብ ሱዳን ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንህዝቢታት ደቡብ ሱዳን ትገብሮ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም፡፡
ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ቤንጃሚን ቦል ሜልን ካብ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ሒዞምዎ ዝመፅኡ መልእኽቲ ከምዝተቐበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኦም ገሊፆም፡፡
ኣብቲ እዋን ምስቶም ምክትል ፕሬዚዳንትን ዕውት ዘተ ምኽዶም ገሊፆም፡፡
ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ እዋናዊ ፀገም ፀጥታን ፖለቲካን ንምፍታሕ ኩለመዳያዊ ዞባዊ ኣካይዳ ከምዘድልይ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ንህዝብታት ደቡብ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ብቆራፅነት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡