ኢትዮጵያ ንምድኻምን ሓድነታ ንምንጋዕን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህቀን ትንኮሳን ፅዕንቶን ብሓባር ክንምክት ይግባእ-ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንምድኻምን ሓድነታ ንምንጋዕን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህቀን ትንኮሳን ፅዕንቶን ብሓባር ክንምክት ይግባእ ክብሉ ኣምባሳደር ታዬ አጽቀስላሴ ተዛሪቦም።
ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መልእኽተኛ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ፣ ኮኔክትከት ከምኡውን ካልኦት ስቴታት ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ብዌብናር ተዛቲዮም።
ዕላማ እቲ መድረኽ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታትን ምዕራባዊያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይግቡእ ጣልቃ ኣታዉነትን ማእኸል ዝገበረ ኢዩ።
ኣብቲ ዘተ ህዳሰ ግድብን መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ተዳህሲሱ።
ብፍላይ ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዘውፀኦ ውሳነ እንታይነት፣ ብቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ዝቀርቡ ዝነበሩ ዛዕባታት ብዝርዝር ዘረድኡ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ ኢትዮጵያ ንምድኻምን ሓድነታ ንምንጋዕን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝህቀን ትንኮሳን ፅዕንቶን ብሓባር ክንምክት ይግባእ ኢሎም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።