ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዘለዋ ኣስተዋፅኦ ጃፓን ንኢዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ፃናገበረቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ጃፓን ከምትንእድ ገሊፃ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓርላሜንታሪ ጃፓን ኤሪ ኣርፊያ ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ሰፊኽ ዕድል ኢንቨስትመንት ከምዝፈጠረ ብምሕባር ኩባንያታት ጃፓን ኣብ ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ሓቲቶም።
እቶም ኣምባሳደር ስግኣት ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን ዞባዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኻዊ ስግኣት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።
ኤሪ ኣርፊያ ብግደአን ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ቁልፊ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ሃገረን ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ፃናገበረቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ከምትንእድ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።