ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ፡፡
ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ንኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ብሕታዊት ሸቶ ዘላለም ኣበበ ኣብ መበል 82 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ኣብቲ ሊግ ካልኣይ ተኸታታሊ ዓወታ ዘመዝገበት ጋንታ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ነጥባ ናብ 28 ክብ ብምባል ኣብ 7ይ ደረጃ እንትትቅመጥ÷ ስሑል ሽረ ብ15 ነጥቢ መበል 17 ደረጃ ትርከብ፡፡
ፀወታታት እቲ ሊግ ቀፂሎም እንትካየዱ ቀትሪ ሰዓት 9 መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃዋሳ ከተማ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 12 ኣዳማ ከተማ ምስ ኣርባ ምንጭ ከተማ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡