Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ን644 ደቡብ ሱዳናዊያን ናፃ ዕድል ትምህርቲ ሂባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ን644 ደቡብ ሱዳናዊያን ናፃ ዕድል ትምህርቲ 2024/25 ሂባ።

እቲ ዕድል፥ ን577 ቀዳማይ ድግሪን 67 ካልኣይ ድግሪን ከምዝተውሃበ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል መሃዲ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ከምዝበልዎ፥ እቲ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብን ምድግጋፍን ዘጠናኽር ኢዩ።

እቶም ተምሃሮ ነዚ ንከጠናኽሩ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ዳይሬክተር ጄኔራል ትምህርቲን ስልጠናን ሚኒስቴር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ደቡብ ሱዳን ቶች ሌይም(ፕሮፌሰር) ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ በትምህርቲን ስልጠናን ዓውዲ ንደቡብ ሱዳን ንዝሃበቶ ደገፍ አመስጊኖም።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.