ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ከምዝተመረፀት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኢዩ ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ተመሪፃ ዘላ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዕቤት ሰላም ፀፅታን እናበርከተቶ ትርከብ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝህብ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡