ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ኮኒና
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መሰከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣብ ቱርኪ ኣንካራ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃር ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ብፅኑዕ ኮኒኑ።
እቲ ሚኒስቴር፥ “ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ፀሎትና ንተጎዳእቲን ንስድራ መወትቲን ኢዩ” ኢሉ።
ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት የብሉን ዝበለ እቲ ሚኒስቴር፥ ግብረ ራዕዲ ብኢትዮጵያውያን ዝኾነ ይኹን ቦታ ስለዘይብሉ እዞም ኣረመኔያዊ ተግባራት ብምኹናን ሓደ ሓድነትና ንገልፅ” ክብል ገሊፁ።
በዚ ድማ ኣብ ጎኒ ህዝቢን መንግስቲን ቱርኪ ኣለና ብምናል እቲ ሚኒስቴር ኣብ ትዊተር ገፁ ብዘውፀኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com