Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ጉጅለ ቴክኒክ ሕርሻ ብሪክስ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል እባተኻየደ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ኣኼባ ጉጅለ ቴክኒክ ሕርሻ ብሪክስ 2025 ትሳተፍ ኣላ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ ገላፃ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

በዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕርሻ ብምዝማን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እናተግበሮም ኣብ ዝርከቡ ብዙሓት ፕሮግራማት ብፍላይ ብሄራዊ ፍርያት ስርናይን ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣመልኪቶም ኣብሪሆም።

ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ሕርሻ ብፍላይ ሕርሻ ስድራቤት ዓውዲ ምትሕብባር ክኸውን ከምዝግባእን ኣብዚ መዳይ ልምዲ ምልውዋይ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ ምቅልጣፍን ቀረብ እታወታት ሕርሻ ምስፋሕት ከምዝግባእ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.