ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሃገር ቦቆል ፍርያት ፎረም ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ካልኦት ኣመራርሓን ዝተሳተፉሉ ሳልሳይ ዓለም ለኸ ሃገር ቦቆል ፎረም ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ ፎረም ብኣተሓባበሪነት ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ከተማ ኣቡ ዳቢ ይካየድ ኣሎ፡፡
ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ ፎረም ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ዓዲ መድሓኒትን መገልገሊ ፍርያት እታወታት ሕክምናን ብዝተተሓሓዘ ዝተኻየዱ ተግባራት አረዲአን፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ቐፃሊ በቲ ዓውዲ ብሃገር፣ ኣህጉርን ብብርኪ ዓለምን ጠመተ ክውሃቦም ኣብ ዝግብኦም ጉዳያት መብራህርሂ ሂበን፡፡