ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኣኼባ ሕብረት ፓርላማ ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ዝተመርሐ ጉጀለ ልኡክ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ፓርላማን ኣብ ከተማ ኡዝቤኪስታን ታሽከንት እናተኻየደ ዝርከብ መበል 150 ዓለም ለኸ ሕብረት ፓርላም (አይፒዩ) እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ወኪሎም መደረ ዘስምዑ ኣፈ ጉባኤ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሕብረት ዘለዋ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ንምቕፃል ቆራፅ ምዃና ገሊፆም፡፡
ን2030 ዘላቒ ልምዓት ዓወታት ንምምዝጋብ ዝምልከቶም ኣካላት ዓለም ለኸ ምትሕብባር ከጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ንሰላምን ምዕባለን ብብርኪ ሃገር ዘይኾነስ ብብርኪ ዓለም ጋህዲ ንምግባር ካብ 2030 ዘላቒ ልምዓት ዓወታትን ኣጀንዳ 2063ን ዝተጣመረ ሃገራዊ ልምዓት ትልሚ ኣውፂኣ እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም፡፡
ከምኡውን ፅዕንቶ ክሊማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ኣብ ፕሮግራም ሓምለዋይ ኣሰር ዕውት ስራሕ ምስርሓ ምዝራቦም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡