Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ንካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ዝኸውን እዩ – ሞሰስ ቪላካቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ምስ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕርሻ፣ ልምዓት ገጠር፣ ኢኮኖሚ ዘላቒን ልምዓትን ዩኒየን ኣፍሪካ ሞሰስ ቪላካቲን ዘትዮም፡፡

ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ርኡይ ለውጢ እናመዝገበት ከምትርከብ ኣረዲኦም፡፡

ብፍላይ ኣብ ልምዓት ስርናይ፣ ትሩፋት ሌማትን ከምኡ እውን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘዕግብ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብሉፃት ተሞክሮታት ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ቆራፅ ምዃና ኣረጋጊፆም፡፡

ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘለዋ ናይ ልምዓት ዓቕሚ ብምጥቃም ውሕስነት ምግብን ልኡላውነት ምግብን ምርግጋፅ ከምዝግባኣ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኮሚሽነር ሞሰስ ቪላካቲን ብግዲኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ተመዝግቦ ዘላ ውፅኢት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ከም ፅቡቕ ዝውሰድ ምዃኑ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ውሕስነት መግብን ልኡላውነት መግብን ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ኣብቲ ዓውዲ ተመኩሮ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

እቲ ሚኒስትሪ ዝሃቦ ሓበሬታ እውን ኣብ ምድቃል ሓመድ፣ ምምሕያሽ ምብዛሕ ዘርኢ፣ ሕርሻዊ ዲጂታላይዜሽንን ካርታ ሓመድን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝደልዩ ይሕብር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.