ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኣርእያ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘመዝገበት ኣካቢ እቲ ፕሮጀክትን ሚኒስትር ገንዘብን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።
ኣፈፃፅማ ቀጣናዊ ፕሮጀክትታት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ገምጊሞም።
ኣካቢ እቲ ፕሮጀክትን ሚኒስትር ገንዘብን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብቲ ኢኒሼቲቭ ኣብ ሃገራት እቲ ቀጣና መሰረተ ልምዓትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን፣ ግብርና፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ጥዕና፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምኡወን ምክልኻል ሓደጋ ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋንን ባጀትን ነክዛዘሙ ከትትል ከምዝግበር እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ማእከል ሰላምን ልምዓትን እቲ ቀጣና ስለዝኾነት ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ ምትሕብባር ስራሕ ጠመተ ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።
ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብልምዓት ንምዝማድ ሚኒስቴራት ገንዘብ እተን ሃገራት ዘጣየሽዎ ከምዝኾነ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።