Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ንምዕዋት ይስራሕ ኣሎ- ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምዕዋት እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ኣብ ብሄራዊ ዘተ ኮሚቴ ትካል ንግዲ ዓለም ተዳራዳሪ ዝኾኑ ሚኒስትር ንግድን ቀጣናዊ ምትእስሳር ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ብሄራዊ ዘተ ኮሚቴ ትካል ንግዲ ዓለም ምስ ኣባል ሃገራት ኣብ ዘካየድዎ ክልቲኣዊ ስምምዕነት ንግዲ ከምኡውን ኣኼባ ሻድሻይ ጉጅለ ስራሕ ንግዲ ዓለም ሰራሕቲ ምድላዋት ዝዝትይ ኣኼባ ሎሚ ኣካይዶም፡፡

ኣብ 2026 ዓ.ም.ፈ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ጉጅለ ስራሕ ትካላት ንግዲ ዓለም ኣኼባ ከይዲ ኣባልነት ኢትዮጵያ ንምዝዛም ተተሊሙ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.