ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ዴንማርክ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዴንማርክ ኢትዮጵያ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ሱኔ ክሮግስትሩፕ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሱኔ ክሮግስትሩፕ ብፍሉይ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታ ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅ ኢያ።
እታ ሃገር ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ሓዱሽ ሃገር ለኸ ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምትገብር ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ እናካየደቶ ምስ ትርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጠዓዓም ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
ኩባንያታት ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢኮኖሚዊ ልምዓትን ወሳኒ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ እውን ኣልዒሎም።
ዴንማርክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ብምድንፋእ ኣብ ንግድ፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ምትሕብባራ ከምተጠናኽር እቶም ኣምባሳደር ሱኔ ገሊፆም።
ብመሳፍንት ብርሌ