Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዕዉት ተሞክሮ ልምዓት ከተማኣ ኣብ ኣኼባ ዩኤን ሃቢታት ኣካፊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዕዉት ተሞክሮ ልምዓት ከተማኣ ኣብ ናይሮቢ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ቦርድ ፈፃሚ ስራሕ ዩኤን ሃቢታት ኣካፊላ፡፡

ብሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፈንታ ደጀን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ዩኤን ሃቢታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝውግኖም ተግባራት ብዝምልከት ሪፖርት ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ እንትኸውን፥ ስራሕቲ ልምዓት ከለማ ኢትዮጵያ ናእዳ ከምዝተለገሶ ተገሊፁ።

ብሓገዝ ዩኤን ሃቢታት እናተተግበሩ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ልምዓት ምስ ፖሊሲ ልምዓት ከተማ ኢትዮጵያን ምስ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ዝጠዓዓም ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣልዒሎም።

ህይወት ዜጋታት ንምምሕያሽ እናተተግበሩ ንዝርከቡ ኢኒሼቲቫትን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን፤ እቲ ትካል ሓገዙ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.