Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ዕብየት ኢኮኖሚ ንካልኦት መርኣያ ምዃን ከምትኽእል ፓኪስታን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር (ዲ/ር) ምስ ፍሉይ ኣማኻሪ ርክብ ወፃኢ ቀዳማይ ሚስትር ፓኪስታን ሰይድ ታሪቅ ፋጢሚ ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም ኣብተን ሃገራት ሰላም፣ ምዕባለን ዘላቂ ልምዓትን ሓበራዊ ሸቶታት ንምስካዕ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ሓዊሱ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ዘትዮም፡፡
ክልቲአን ወገናት ብንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ አቪዬሽን፣ ቴክኖሎጂን ኪሊማዊ ለውጢን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ክልቲኣዊ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ቆራፅ ምዃን ገሊፀን፡፡
ኣምባሳደር ጀማል (ዶ/ር)÷ ፓኪስታን ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ተለዋጢት ኣባል ኾይና ምምራፃ ንህዝቢን መንግስትን ፓኪስታ መልእክቲ እንዃዕ ደስ በለኹም ኣመሓላሊፎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፍልስፍና “መደመር” መሰረት ዝገበሩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማህበራዊ፣ ርክብ ወፃኢን ምምሕያሽ ሕግን ጉዳያት ገለፃ ገይሮም፡፡
ሰይድ ታሪቅ ፋጢሚ÷ ብግዲኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላዊ ዓለም ለኻዊን ሰላምን ደሕንነትን ንምርግጋፅ ዝዋፅኦ ዘሎ ግደ ንኢዶም ክብል ኣብቲ ኤምባሲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.