Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዞባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብምትሕብባር ምስራሓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዞባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ምስራሓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣኔት ዌበር (ዶ/ር) ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ጠሚተን ተዛቲየን።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ዞባዊ ፀገማት ንምፍታሕ መካተቲ ዝኾነ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከምኡ እውን ዝተዋደደ ፃዕሪ ኣድላዪ ምዃኑ ሓበሮም።

ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ምስራሓ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።

ኣኔት ዌበር (ዶ/ር) ብግደአን፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ እናተፃወተቶ ትርከብ እወንታዊ ግደ ብምንኣድ፤ ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዘለወን ቆራፅነት ምርግጋፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.