Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ገበን ኣብ ምክልኻል እናሰርሐቶም ትርከብ ተግባራት ንተወልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ፍትሒ ምስ ምክልኻል ገበን ተተሓዙ ኣብ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣቕሪቡ፡፡

መበል 15 ኮንፈረንስ ምክልኻል ገበንን ፍትሒ ገበንን ሕቡራት መንግስታት ኣኼባ ቅድመ ምድላው ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ሚኒስትር ዴኤታ በላይሁን ይርጋ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምክልኻል ገበን ተተሓሒዙ ፖሊሲን ስትራቴጂን ምሕንፃፅ፣ ሕጊታት ምውፃእን ምትግባርንር ሓዊሱ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ኣብ ዝተሓሰቡ ተግባራት ብምድሃብ ንተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምቕራብ ልውውጥ ልምዲ ከምዝተገበሩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.