Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ገና ፈሊጣ ዘይወደአቶም ፀጋታት መኣድን ኣለውዋ- ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ገና ፈሊጣ ዘይወደአቶም ፀጋታት መኣድን ኣለውዋ ክብሉ ሚኒስትር መኣድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ መዓድን ዘለወን ሃፍቲ ፈሊጠን ከምዘይወደኣ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዓውዲ ብዙሓት ዘይተሰርሑ ዝተረፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

ሃፍቲ መዓድን ንምጥቃምን ዘለዎ ሃፍቲ ፈሊኻ ንምፍላጥን ብዙሕ ምስራሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ብተወሳኺ ክንደይ ዝኣክል ሃፍቲ መዓድን ከምዘሎ ንምፍላጥ ክንደይ ዓመት ክወስድ ይኽእል ዝብል ምፅራይ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ኩሎም ዓውዲታት መዓድን ቆላሕታ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ዓውዲ ዓብዪ ኢንቨስትመንት፣ ቴክኖሎጂን ግዘን ከምዝደሊ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.