Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮምን ቪዛን ተበፃሕነት ዲጂታል ፋይናንስ ንምጥንኻር ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ 2017(ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ፋፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ቪዛ ኢንክ ደቡብን ምብራቕን ኣፍሪካ ሚካኤል በርነር ዘትየን፡፡

ኣብ ዘትኦም ብብርኪ ዓለም ግልጋሎት ዲጂታል ፋይናንስ ሓድሽ ዕድላት ምትሕብባር ክድህስሱ ዝኽእሉ ጉዳያት እዩ ተባሂሉ።

በዙይ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዳይሬክት ቨርቹዋል ዋሌት ቪዛን ከምኡ እውን ብወገን ቴሌ ብር ረሚት ዝውሃቡ ዓለም ለኸ ግልጋት ሓዋላ ዝርከበሉ ብርኪ ቐሪቡ፡፡

ተበፃሕነት ፋይናንስ ዘዕስል ኣብ ዲጂታል ፋይናንስ ህንፀት ባህሊ ኣሰር ንምንባር ተቐራሪቡ ዝሰርሕ ሓበራዊ ጉጅለ ንምጥያሽ ምስምዕመዖም ኣብ ኢትዮ ቴሌኮም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.