Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ጣቢያታት መምልኢ ባትሪ ኤሌትሪክ መኪና ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ማእኸላት መምልኢ ባትሪ ኤሌትሪክ መኪና ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ኣጀሚሩ፡፡

እተን መምልኢ ባትሪታት ኣልትራ ፋስት፣ ሱፐር ፋስትን ሃንደበታዊ ኤሌክትሪክ ተሽከርካሪ ቻርጀር ዝተብሃሉ ከምዝኾኑ ዋና ፈፃት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ተዛሪበን፡፡

ካብ ቦሌ – መገናኛ ኣብ ዘሎ መገዲ ዝተሃነፁ እቶም ማእኸላት መምልኢ ባትሪ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ስራሕ ዝጀመሩ እንትኹኑ፥ እዚ ድማ ሓደ ኣካል ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብተተሓሓዘ ዜና ኢትዮ-ቴሌኮም መበል 130 ዓመት ክብረ-በዓሉ ምኽንያት ብምግባር ክልተ ዘበናዊ መኻይን ንዕድለኛታት ተሸለምቲ ኣረኪቡ፡፡

ብፈትያ ኣብደላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.