Fana: At a Speed of Life!

ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ኦሙኔሽን ሆሚቾ – ብዘይዕረፍቲ ብምስራሕ ዝተረኸበ ሓበራዊ ውፅኢት!

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ኦሙኔሽን ሆሚቾ – ብዘይዕረፍቲ ብምስራሕ ዝተረኸበ ሓበራዊ ውፅኢት ከምዝኾነ መካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኮሎኔል ስለሽ ነገራ ገሊፆም።

ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ኦሙኔሽን ሆሚቾ ካብ ወፃኢ ተሞክሮታት ብምምፃእን ስልጠና ብመሃብ ብዘይዕረፍቲ ለይቲን ቀትሪን ብምስራሕ ዘምፅኡዎ ሓበራዊ ውፅኢት ከምዝኾነ እቶም መካየዲ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፋብሪካ ዘበኑ ኣብ ዝበፅሖም ዲጂታል ስርዓት ብምእታው፣ ንከቢድ፣ ቀሊልን ማእኸላይን አፅዋር ተተኮስቲምፍራይ ጀሚሩ ምባሎም ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡

ልዕሊ ጠለብ ቀረብ ሃገር ንዕዳጋ ወፃኢን ትውልዲን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝተሃነፀ እውን ኣብሪሆም።

ኢንዱስትሪ ኢንጂነሪንግ ኦሙኔሽን ሆሚቾ ዝተፈላለዩ ተተኮስቲ ብምፍራይ፤ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ብምዕዋት ዝርከብ ኢንዱስትሪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ኢንዱስትሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለዎ ዓቕሚ ልዕሊ ሸሞንተ ዕፅፊ ተተኳኮስቲ ንኸፍሪ ተገይሩ ከምዝተሃነፀ እውን ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.