Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 500 ዓመፅቲ ሁቲ ምቕታሎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ሁቲ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 500 ተዋጋእቲን ኣዘዝቲን ሓዊሱ ምቕታሎም ተገሊፁ፡፡

ማእኸል ኢንፎርሜሽን ሰንዓ ሓቢሩ ዓል ዓረብያ ከምዝፀብፀቦ÷ ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ንሰሙናት ኣብ ልዕሊ ዓመፅቲ ሁቲ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምፍፃማ ገሊፁ፡፡

ማእኸላት ትእዛዝን ቁፅፅርን እቶም ዓመፅቲ፣ ካምፕታት ስልጠና፣ መኽዘናት ኣፅዋር፡ መራኸቢ ትካላትን ካልኦት ወታደራዊ መሰረተ ልምዓታትን ናይቲ ጥቕዓት ዕላማ ምዃኖም ተገሊፁ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ መሰረተ ልምዓት ካብ ምዕናው ብተወሳኺ ልዕሊ 500 ዓመፅቲ ኣባላት ጉጅለን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ከምዝቐተሉ የረድእ፡፡

ኣሜሪካ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ወተሃደራዊ ዓቕሚ እቶም ዓመፅቲ ዘዳኽም ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ብሚኪያስ አየለ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.