ኣሜሪካ ንጋዛ መሊሳ ክትሃንፅ ትደሊ ኢያ ክብሉ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታንያሁን ኣብ ጉዳይ ኲናት እስራኤል-ጋዛ ብምድሃብ ተዛቲዮም፡፡
እቶም መራሕቲ ዘተኦም ኣመልኪቶም ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበራዊ መግለፂ÷ ኣሜሪካ ጋዛ ብምርካብ ናብ ንቡር ኩነታታት ብምምላስ ዳግም ክትሃንፃ ከምትደሊ ተዛሪቦም፡፡
በዚ ድማ ሃገሮም ኣብ ጋዛ ዘይፈንጀሩ ቦምቢታት ብምእራይ ንግዝኣት ፍልስጤም ክተልምዕ ኢያ፤ ክተውቅባ ኢያ ክብሉ ሓላፍነት ክትወስድ ከምትኽእል እውን ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት ቅድም ክብል እዚ ሓሳብ ውድቂ ገይሮምዎ ዝነበረ ይኹን እምበር፤ ትራምፕ ጋዛ ዳግም ኣብ ትህነፀሉ እዋን ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ወፃእ ክሰፍሩ ሓሳብ ኣቕሪቦም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ኔታንያሁ ብግደኦም ትራምፕ ዘውፅኡዎ ትልሚ “ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ” ሓሳብ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ፍልስጤም፤ ፍልስጤማውያን ናብ ጋዛ ክምለሱ ከምዝደልዩ እንትሕብሩ፥ ሃማስ ብግኡ ናይ ትራምፕ ትልሚ “ተቐባልነት ዘይብሉ ኢዩ” ክብል ኣነኣኢሱዎ።