ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ዑደት ይገብሩ ኣለው
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መቀመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ልዕሊ 20 ሃገራት ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ዑደት ይገብሩ ኣለው፡፡
ኣብ ዑደት፤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ ቱሪዝም ብዝምልከት ብሚኒስትር ዲኤታ ቱሪዝም ስለሺ ግርማ ገለፃ ተገይሩ፡፡
እቲ ዑደት ሚኒስቴር ቱሪዝም ምስ ሕቡራት መንግስታት ብትምህርት፣ ሳይንስን ባህልን ትካል (ዩኔስኮ) ብምትሕብባር ምድላዎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ብዩኔስኮ ምምዝጋቡ ይፍለጥ።