Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ደሊል ከድር ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ሲሪል ራማፎሳ ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ምሉእ ኣምባሳደርን ፌዴሪኢ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ደሊል ከድር ንፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ደብዳበ ሽመቶም ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብን ኣምር ፓን-ኣፍሪካኒዝም ዝተመርኮሰ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኻዊ ርክብ ምሕዝነትን ሕውነትን ኣልዒሎም።

ከባዚ ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝምልከት እውን ተዛሪቦም።

ደቡብ ኣፍሪካ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል መምርሒ ትገብሮም ምንቅስቓሳት ንኢዶም።

ኣብ ሰሜን ክፋል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ መዕለቢ ንኽረክብ ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምትእንጋድን ብምስንዳእ ንዝገበሩዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.