ኣርጀንቲና ኣርባዕተ ፀወታታት እናተረፋ ናብ ፅዋዕ ዓለም ሓሊፋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ፀወታኣ ዘካየደት ኣርጀንቲና 4 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ።
ኣርጀንቲና ንኽትዕወት ዩሊያን ኣልቫሬዝ፣ ኢንዞ ፈርናንዴዝ፣ ኣሌክሲስ ማክኣሊስተርን ጁሊያኖ ሲሞኔን ሸቶታት እንተመዝግቡ፤ ብሕታዊት ሸቶ ብራዚል ድማ ማቲያስ ኩንሀ ኣመዝጊቡዋ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዓለም እዚ እዋን ኣርጀንቲና 4 ፀወታታት እናተረፋ ናብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም 2026 ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።
ኣርጀንቲና ነቲ ምድብ ብ31 ነጥቢ እንትትመርሕ፤ ብራዚል ብ21 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ ተቐሚጣ ትርከብ።
ኣብ ካልኦት መፃረዪ ፀወታታት ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ፤ ኮሎምቢያን ፓራጓይን 2 ማዕረ ከምኡ እውን ቺሊን ኢኳዶርን ባዶ ማእረ እንትፈላለያ፤ ቬንዙዌላ ንፔሩ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ