ኣብ መንፈቕ ዓመት ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ መንፈቕ ዓመት 2017 ዓ.ም ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባን ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ፡፡
ኣዛዚ እቲ መምርሒ ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ ኣብ መዛዘሚ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርጅ ከምዝበሉዎ፥ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ጉምሩኽ ብምትሕብባር ኢዩ፡፡
ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት÷ ተሽከርከርቲ፣ መድሓኒታት፣ ዝኸበሩ መዓድናት፣ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሰብ ጉድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ ግዚኦም ዝሓለፎም ኣፋውስን ምግቢታትን ከምዝርከቡዎም ምግላፁ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል የመላኽት፡፡