ኣብ ማይናማር ብሬክተር ስኬል 7 ነጥቢ 7 ዝተመዝገበ ራዕዲ ርዕደ መሬት ኣጋጢሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማእኸላይ ማይናማር ብሬክተር ስኬል 7 ነጥቢ 7 ዝተመዝገበ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ኣጋጢሙ።
እቲ ሓደጋ ስዒቡ ዝተጣየሸ ጉጅለ እዋን ሓደጋ ከምዝገለፆ፤ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ሕዚ ቁፅሪ መወትቲ ኣይፈለጥ እምበር ብ100 ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ ይኽእሉ ኢዮም።
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬቱ ኣብ ቻይና፣ ታይላንድን ህንዲን ከማዘጋጠመ ቢቢሲ ዝፀብፀበ እንትኸውን፤ በዚ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ታይላንድ ባንኮክ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝነበረ ህንፃ ብምድርማሱ 81 ሰባት ንጉድኣት ከምዝተቓልዑ ገሊፁ።
መንግስቲ ታይላንድ እቶም ሰራሕተኛታት ኮንስትራክሽን ካብቲ ፍርስራስ ንምውፃእ ርብርብ እናገበረ ከምዝኾነ ፀሪሑ፡፡
በቲ ርዕደ መሬት ጎደናታት ማይናማር ዝተገማምዑ እንትኾኑ÷ ብዙሓት ህንፃታትን ድልድላትን ፈራሪሶም ተባሂሉ።
ብኣቤል ንዋይ