ኣብ ማይናማር ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 1 ሺሕ ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ትማሊ ኣብ ማይናማር ብሰንኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት በዝሒ ዝሞሩ ልዕሊ 1 ሺሕ ምሕላፉ ተገሊፁ፡፡
ትማሊ ኣብ ማይናማር ብሬክታር ስኬል ልዕሊ 7 ነጥቢ 7 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጠመ እንትኾን÷ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተረፉ ሰባት ስራሕቲ ምእላሽ ሕዚ እውን እናቐፀለ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
በቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝስኣኑ ብተወሳኺ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ጉዱኣት ኣካል ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ማይናማር ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ዝኾነት ማንዳላይ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ብልዑል ዝተሃስየት እንትትኮን ብዙሕ ቑፅሪ ሞት ዝተመዝገበላ ምዃና ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ብቴዎድሮስ ሳህለ