ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 43 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማይናማር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 43 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡
ካልኦት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ካብ ማይናማር ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕቲ እናወገነ ከምዝርከብ እውን እቲ ሚኒስቴር ሓቢሩ፡፡
ዜጋታት ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ተታሊሎም ውዕሊ ስራሕ ናብ ዘይተፈፀመለን ሃገራት ዘካይዱዎም ምንቅስቃሳት ደዉ ከብሉ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ፡፡