Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝቃወምን ንሰላማዊ ኣማራፂ ዝድግፍን ህዝባዊ ሰልፊን ኮንፈረንስ ሰላምን ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ህዝባዊ ሰልፊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ነበርቲ እቲ ከባቢን ከምዝተሳተፉ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ÷ ዕጥቃዊ ቃልሲ መሪፆም ናብ በረኻ ዝወፅኡ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናብፅሑዎ ዝርከቡ ፅዕንቶ ልዑል ከምዝኾነን ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክተዓናቐፉ ምግባሮም ተዛሪቦም።

ህዝቢ እዞም ሓይሊታት ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምዃን ክቃለሶም ብምጅማሩ ብዙሓት ከባቢታት ናብ ሰላም ከምዝተመለሱ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ሕቶታት ህዝቢ እቲ ክልል ንምምላስ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.