Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕዳር ፍትሓውነት፣ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ለውጢ ምምፅኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ፍትሓውነት፣ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ለውጢ ክመፅእ ከምዝኸኣለ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሸውተ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ምሕደራ ፈተና መሰረታዊ ለውጢ ምምፃእ ተኻኢሉ።

እቲ ለውጢ ምቅድዳሕ ክተርፍ ካብ ምግባሩ ሓሊፉ ፈተና ብዘይተገበአ መገዲ እናተጠቐሙሉ ዝፀንሑ ኣካላት ምቁፅፃር ከምዘኽአለ ሓቢሮም።

ቅድሚ ለውጢ ዝነበረ ከይዲ ኣወሃህባ ፈተና ኣብ ልዕሊ ተረከብቲ ሃገር ዜጋታት ናይ ስነ-ኣእምሮ ፀዕንቶ እናፈጠረ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ዓ.ም ምቅድዳሕ ኣብ ምቁፅፃር ለውጢ ከምዝተርኣየ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከይዲ ምሃብ ፈተናን ምዝገባን ብቴክኖሎጂ ክድገፍ ምግባሩ ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ከምዝተርኣዩሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.