ኣብ ምድብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ቻውሮፓ ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ተደልዲለን
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምድብ ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ቻውሮፓ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ምስ እንግሊዛዊት ማንቼስተር ሲቲ ተራኺበን፡፡
ምድብ ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ቻውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ፡፡
ቀዳማይ እግሪ ፀወታ ክልቲአን ዓበይቲ ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ኣብ ስታዲየም ኢትሃድ ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ 0ሳንቲያጎ ቤርናባዎ ክካየድ ኢዩ።
ኣብ ካልኦት ድልድል ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ÷ ብረስት ምስ ፒኤስጂ፣ ሴልቲክ ምስ ባየር ሙኒክ፣ ጁቬንቱስ ምስ ፒኤስቪ ኣይንድሆቨን፣ ፌይኖርድ ምስ ኤስ ሚላን፣ ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ቦርሺያ ዶርቱመንድ ተደልዲለን።
ኣብዚ ምድብ ድልድል ብበፂሕኻ መልሲ ብምዕዋት ዝሓልፋ ሸሞንተ ጋንታታት ናብ 16 ምድብ ክትፅምበር ኢያ።
ሊቨርፑል፣ ባርሴሎናን ኣርሰናልን ሓዊሱ 8 ጋንታታት ብቐጥታ ናብ 16 ምድብ ምሕላፈን ይዝከር።