ኣብ ሰለስተ ክልላት ዝትግበር ፕሮጀክት ተንቀሳቃሲ ክሊኒክ ሕክምናን ስነ-ምግቢን ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ዓፋርን ሶማሌን ኣብ ዝርከባ 18 ወረዳታት ተግባራዊ ዝግበር ፕሮጀክት ተንቀሳቃሲ ክሊኒክ ሕክምናን ስነ-ምግቢን መርሃ ግብሪ ምጅማር ተኻይዱ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ዓሊ÷ እቲ ፕሮጀክት ንሰበኽ ሳግምን ተበፃሒ ኣብ ዘይኮኑ ከባታትን ኣርባዕተ ሆስፒታላት ሓዊሱ ን12 ትካላት ጥዕና ከምዝድግፍ ገሊፀን፡፡
ብቀንዱ ዝተመጣጠነ ምግቢ ህፃናት ንምስትኽኻልን ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምቅላልን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ሞት ኣዴታት ንምንካይ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ሓቢረን።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ምኽንያታት ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብን ፆታን ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታትን ግዳያት ንዝኾኑ ዜጋታት ሕክምናን ሓገዝ ስነ ልቦናን ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡
እቲ ፕሮጀክት ብሓገዝ ገንዘብ ፋውንዴሽን ጌትስን ትካል ስነ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታትን ኣቢሉ ዝትግበር ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡