Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ባርሴሎና ምስ ቦርሲያ ዶርትሙንድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ቀፂሎም እንትካየዱ ባርሴሎና ምስ ቦርሲያ ዶርትሙንድ ከምኡ እውን ፒኤስጂ ምስ ኣስቶንቪላ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ጋንታ ካታላን ባርሴሎና ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ሜዳኣ ንጀርመናዊት ጋንታ ቦርሲያ ዶርትሙንድ ክተተኣናግድ ኢያ።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ፒኤስጂ ኣብ ሜዳኣ ፓርክ ደ ፕሪንስ ንእንግሊዛዊት ጋንታ ኣስቶንቪላ ክተተኣናግድ ኢያ።

ኣብ ፀወታ ውዲቕካ ምሕላፍ ፒኤስጂ ንሊቨርፑል ከምኡ እውን ኣስቶንቪላ ንክለብ ብሩዥ ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ምሕላፈን ይፍለጥ።

ፅዋዕ ፈረንሳይ ሊግ አ ምዕዋታ ኣቐዲማ ምዕዋታ ዘረጋገፀት ፒኤስጂ፤ ተወሳኺ ፅዋዕ ንምዕታር ብርቱዕ ንሕንሕ ክትገብር ኢያ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.