Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ትፅቢት ዝግበረሉ ደርቢ ማድሪድ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታታት ቀዳማይ ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮፓ ክካየዱ ኢዮም።

ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ደርቢ ማድሪድ ሪያል ማድሪድ ምስ ናይ ከተማ ተናሓናሒታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ሳንቲያጎ ቤርናባው ክትገጥም ኢያ።

ኣትሌቲኮ ማድሪድ ኣብ ቀረባ እዋን ብኩሎም ውድድራት ኣብ ፅቡቕ ቁመና ትርከብ ብምዃና ንሪያል ማድሪድ ፈታኒ ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 5 ኣርሰናል ናብ ኔዘርላንድስ ብምምራሕ ምስ ፒ ኤስ ቪ ኣይንድሆቨን ክትገጥም ኢያ።

ብካሊእ መርሃ ግብሪ ቦሩሺያ ዶርትሙንድ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ሜዳኣ ሲግናል ኤዱና ፓርክ ንፈረንሳዊት ጋንታ ሊል ክተተኣናግድ ኢያ።

ካብዞም ፀወታታት ኣቐዲሙ ምሸት ሰዓት 2፡45 ኣስቶን ቪላ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቤልጂዬማዊት ጋንታ ክለብ ብሩዥ ክትራኸብ ኢያ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.