Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቀፃሊ ግዘታት ህዝቢ ትግራይ ናብ ልምዓትን ድልየት ለውጥን ዘዕውቱ ተግባራት ክስርሑ እዮም- ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ቀፃሊ ግዘታት ህዝቢ ትግራይ ናብ ልምዓትን ድልየት ለውጥን ዘዕውቱ ተግባራት ከምዝካየዱ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም፡፡

ስነ-ስርዓት ርኽክብ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሎሚ ተኻይዱ፡፡

በዙይ እውን ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተረኺቦም ንትግራይ ክልል ዝሓቖፈ ኣፈፃፅማ ልእኽቶ ግዝዊ ምምሕዳር ሰነድ ቃል ኪዳን ፈሪሞም፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ኣህጉራዊን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ተረኺቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ እዋን ÷ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተሰርሑ ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ዘለዎም ተግባራት ኣለው ኢሎም፡፡

ምስ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዝተትሓሓዘ ጥራሕ ዘይኾነስ ዝተፈጠሩ ፀገማት ፀጥታ፣ ፖለቲካን ከምኡውን ኢኮኖሚያዊ ምህላዎም ሓቢሮም፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.