ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 6 ሚልየን ብር ዝተሃነፀ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝነብራን ተወላዲት ወረዳ ብዘት ብዝኾናን ወይዘሮ ኤልሳቤጥ ተፈራ ብልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓደቅነይ ተመሪቑ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ልምዓት ወረዳ ብዘት መምህር ሄኖክ ገ/የሱስ÷ እተን ግድስቲ ወገን ተተካእቲ ዜጋታታት ኣብ ምፍራይ ዕዙዝ እጃም ከምዘለዎ ብምንኣድ ንዘበርከተኦ ግደ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ትግራይ ዝበፅሐ ሃሰያ ንምቅላል ካብ መንግስ ጥራሕ ዘይኮነስ ተወለድቲ ዓድን ፈተውትን ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ግደኦም ከበርክቱ ከም ዝግባእ ኣብቲ እዋን ምረቓ ተሓቢሩ።
ወይዘሮ ኤልሳቤጥ ተፈራ ቅድሚ ሕዚ እውን ንመጠናኸሪ ጉዱኣት ኣካል ዝውዕል ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ሓገዝ ከምገበራ ካብ ቤት ፀሕፈት ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡