ኣብ ትግራይ ብዓርሰ ተበግሶ ዝግበር ኳዕቲ ጎዳጉዲ ማይ መስኖ እወንታዊ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትግራይ ብዓርሰ ተበግሶ ኣቢሉ ዝግበር ኳዕቲ ዓሞቕቲን ማእኸለዎትን ጎዳጉዲ ማይ መስኖ እወንታዊ ውፅኢት የምፅእ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ምክትል ሓላፊን ዳይሬክተር ቀረብ መስኖን ቢሮ ማይን ኢነርጂን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋ-ኣለም ገብረ ምስ ዲጂታል ፋና ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ድሕሪ ወዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝጠመተ ኣብ ፕሮጀክት መስኖ ሰፊሕ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።
ብዋናነት ድማ ቅድሚ ኲናት ተጀሚሮም ዘይተገጠሙን ዝዓነዉን ዓሞቝቲ ጎዳጉዲ ማያት ብምፍታሽ፣ ምፅናዕን ከባቢኦም ብምንፃርን ቀዳምንት ተዋሂቡ ኣብ 2016 ዓ.ም ንምዝዛም ፃዕሪ ተገይሩ ኢሎም።
ከም ኣገላልፃ ኣይተ ተስፋ-ኣለም፥ ኣብቲ ዓመት 27 ዝኾኑ ዓሞቚቲን ማእኸለዎትን ጎዳጉዲ ማይ ናብ ልምዓት ንምእታው ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ፥ እተን 23 ተፀጊነንን ተመሊአንን ግልጋሎት ክህባ ክኢለን ኢየን።
ብተወሳኺ ብትካላት ገበርቲ ሰናይ ተጀሚረን ዘይተዛዘማ ዝነበራ ንመስኖ ዘገልግላ 18 ጎዳጉዲን “ዳይቬርሽን”ን እውን ናብ ግልጋሎት ብምእታው ከልምዓ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ይኹን እነበር እቲ ባጀት መንግስቲ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕን ንኹሉ ኣብ ምብፃሕን ሕፅረታት ስለዝነበሮ መናእሰይን ሓረስቶትን ኣብ ግራውቶም እናተወደቡ ዓሞቕቲን ማእኸለዎትን ጎዳጉዲ ብማሽንን “ኤክስ ካቫተርን” ንምኹዓት ናብ መንግስቲ ሕቶ ኣቕሪቦም ኢዮም።
መንግስቲ ድማ ክኢላ ብምምዳብ ኣንፈት ናይ ምሃብ፣ ምውዳብን ውሱናት ናይ እታዎታት ሓገዝ ንምግባርን ዓሊሙ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ኣስታት 15 ዓሞቕቲ ጎዳጒዲ ኣብ ከባቢ ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ጨርጨር፣ እንደርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ሱብሓ ሳዕስዕ፣ ጋንታ ኣፈሹም፣ ጉሎ መኸዳ ናብ ምኹዓት ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።
ድሕሪ እዚ እቶም ሓረስቶት፥ ንሓደ ጉድጓድ ካብ 3 ክሳብ 4 ሚሊየን ብር ብምውፃእ ምስ ተከዘን ካልኦት ናይ ኳዕቲ ማይ ትካላትን ብምትእስሳር ክኹዕቱ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ኣይተ ተስፋ-ኣለም ከምዝገለፅዎ፥ ከም ቢሮ ምስ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምዃን ነተን ብሓረስቶትን መናእሰይን ዝተኹዓታ ጉዳጕዲ ማያት ቀረብ ኤሌክትሪክ፣ ፓምፕን ካልኦት ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታትን ተኻይዱ።
ብሚኒስቴር ግብርና እውን 21 ጉዳጒዲ ማይ መስኖ ንምኹዓት ትልሚ ተታሒዙ፥ 11 ጉዳጒዲ ተዃዒተን ኣብዚ ሐዚ እዋን ይግጠማ ከምዘለዋን 10 ጎዳጒዲ ድማ ኣብ ከይዲ ጨረታ ከምዘለዋን ተዛሪቦም።
ኳዕተን ተጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ዝተቛረፃን ዘይተገጠማን ጎዳጒዲ ማያት፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ብመንግስቲ ፌዴራል ብዝተረኸበ 446 ሚሊየን ብር ተዛዚመን ርኽክብ ብምፍፃም ናብ ልምዓት ክኣትዋ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም።
ኣብቲ ዓመት ብብርኪ ክልል ኣስታት 1 ሺሕን 83 ሓባር ዒላታት ሓረስቶት ኤክስካቫተር እናተኻረዩ ብምኹዓት ናብ ልምዓት ከምዝኣተዉ ብምግላፅ፥ ብዓርሰ ሙርከሳ ጥራሕ ብሓፈሻ ብኹሎም ኣማራፅታት ማይ መስኖ 3 ሺሕን 650 ሄክታር መሬት ብመስኖ ከምዝለምዐ ተዛሪቦም።
ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ፅራእ ወንበርታ፣ ሱብሓ ሳዕሲዕን ሓውዜንን ኣስታት 32 ብደለል ዝመልኣ ኣናእሽቱን ማእኸለዎትን ሓፅቢታት ምስ ሓይሊታት ፀፅታ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ማሕበራት፣ ተወለድቲ ከባቢን ካልኦት ኣካላትን ብምዃን ብምፅራግ ማይ ክሕዛን ናብ ልምዓት መስኖ ክኣትዋን ከምዘተገበረ ገሊፆም።
ኣብ 2017 ዓ.ም ድማ ኣስታት 46 ዓሙቕቲን ማእኸለዎትን ጎዳጒዲ ማያት፣ ዳይቨርሽናትን ሓባር ዒላታትን ንምኹዓትን ንምህናፅን ኣብ ከይዲ ጨረታን ምትእልላሽ ባጀትን ኣለዋ ኢሎም።
ክሳብ ሐዚ ነዚአን ዝኸውን ካብ መንግስቲ ፌዴራል 243 ሚሊየን ብር ብድጎማ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት(SDG) ከምዝተረኸበ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዞባ ደቡብ ዝተጀመረ ሓረስቶትን መናእሰይን ተወዲቦም ብዘዋፅእዎ ገንዘብ ጎዳጒዲ ማይ መስኖ ናይ ምኹዓትን ናብ ልምዓት ናይ ምእታውን ልምዲን ተመክሮን፤ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ይሰፍሕ ምህላዉ ብምግላፅ፥ ንኣብነት ኣብዚ ዓመት ኣብ ከባታት ራማ፣ ዓድዋ፣ ታሕታይ ቆራሮ፣ ሰለኽለኻ ወዘተ ተመሳሳሊ ጠለብ ቀሪቡ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
“ተወዲብካ ገንዘብ ብምውፃእ ናብ መስኖ ምእታው ንመንግስቲ ዘለዎ ሓገዝ ኣዝዩ ልዑል ኢዩ፥ ይኹን እንበር ዓቕሚ ማይ ከርሰ ምድሪ ምህላዉ ዘረጋግፅን ኣዋፃእነቱ ዘፅንዕን ክኢላ ተመዲቡ ብመፅናዕቲ ተደጊፉ ክስራሕ ኢዩ” ኢሎም።
ኣብ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ምስፋሕ መስኖ ቀረብ ፓምፕ ኣብ እዋኑ ዘይምህላው፣ ንኤሌክትሪክ ዝኸውን ክፍሊት እንተተፈፀመ እውን ሕፅረት ትራንስፎርመር ከም ምኽኒያት ብምቕራብ ዘይምምላእ ዝብሉ ፀገማት ማሕልኻ ከምዝኾኑ እውን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።
ካብዚ ሓሊፉ ሓረስቶት ዘድሊ እታወታት ንምምላእ ሕፅረት ገንዘብ የጋጥሞም ብምህላዉ÷ መንግስቲ ፌዴራል፣ ትካላት ፋይናንስን ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ቀረብ ልቓሕ ኣብ ዝረኽብሉ ኩነታት ጠመተ ብምግባር ንክፈትሕዎ ተላቢዮም።
ትግራይ ወሓዚ ሩባታት፣ ማይ ከርሰ ምድሪ፣ ንግድብን ካልኦት መሰረተ ልምዓት መስኖን ዝኸውን ከባቢታት ዘለዋ ብምዃና፥ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ተወለድቲ ከባቢን ሰብ ሃፍቲን ብመስኖ ኣቢልካ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ኣብ ምሕጋዝን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።